ምሕጽንታ ንህዝብን ፓለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ብዛዕባ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና

እዚ፥ ንህልው ፓለቲካዊ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፥ ንዘይንቡር ዝምድናታት መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ድማ ብፍላይ ስዒቡ ዝርአ ዘሎ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ኣብ ግምት ምእታው ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ እዩ። ኣብ ህዝብታት እዘን ክልተ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን፡ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ፡ ብሰብኣውነትን ብሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት እዘን ሃገራት ዝግደስ ዘበለ ኩሉ፡ ብዝተፈላላየ መንገድን መልክዕን፡ ብዓውታን፡ ኣቤት … Read more ምሕጽንታ ንህዝብን ፓለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ብዛዕባ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና

ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. — ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልዉላዉ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ

ሽወደናዊ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብቲ ብዕለት 18 ሓምለ፡ 2020 ዘዉጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኸሲትሉ ዘሎ ቕልዉላዉ፡ ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ጣልቃ ከይኣትዋን፡ ንኹሉ ተራእዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ሰለማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ክጽዕራን ከምዝግብአን ጠቒሱ። ካብ ሰለማዊ ዘተ ወጻኢ ዝሕሰብ ኣገባብ መፍትሒ ሽግራት ድማ ክዕወት … Read more ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. — ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልዉላዉ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ

ሓገዝ ንምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ይቕጽል፤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን 30,000 ክሮና ተወፍይ

ሃገረ-ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ንሓገዝ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ዝዉዕል ናይ 30,000 ክሮና ሓገዝ ኣበርኪቶም። ነቲ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ሽወደን ክግበር ዝጸንሐ ጻዉዒት ብምኽባር፡ ነቲ ተበጊሱ ዝጸንሐ መደብ ምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደት ዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራዉያን ዓቢ ግምት ብምሃብ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ብዝለዓለ ክሙጎስ ዝግብኦ ሰብኣዉን ሕልናዉን ተግባር … Read more ሓገዝ ንምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ይቕጽል፤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን 30,000 ክሮና ተወፍይ

ደለይቲ ፍትሒ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ኣብዒሎም

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ መንእሰያትን ደቀ-ኣንስትዮን ዝርከብኦም፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣባላት፡ ንመዓልቲ ሰማእታት፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል፡  ቀዳም 20 ሰነ  ዘኪሩ ዊዒሉ። ንዝኽረ ሰማእታት፡ ንምትእስሳር ብምዉካል ፡ ኣቦ – መንበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ኣቶ በረኸት ፍራይ፡ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስምዖ ቃል፡ ኣቶ በረኸት፡ ሰማእታት፡ … Read more ደለይቲ ፍትሒ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ኣብዒሎም

ብናይ ሓባር ስራሕ፡ ንምምካት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ሓጺር እዋን 600000 ዶላር

ኩልና ከም ንፈልጦ፡ እዚ ኣብ መጨረሻ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዓለምና እዚ ዘይበሃል ዕንወት ኣስዒቡን የስዕብን ኣሎ። እዚ ኣብ መላእ ዓለምና ተስፋሕፊሑ ዘሎ ለበዳ’ዚ፡ ክብደቱን ሓደገኛነቱን፡  እቲ ኣብተን ኩሉ ቐረባትን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣለወን ዝበሃላ መራሕቲ ሃገራት ቀዳማይ ዓለም ዘብጽሖ ዕንወት ብምግንዛብ ጥራይ ክግመት ይከኣል’ዩ። ስለዝኾነ ድማ’ዩ ዓለም ብሙሉኣ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ከዉርዶ … Read more ብናይ ሓባር ስራሕ፡ ንምምካት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ሓጺር እዋን 600000 ዶላር

ኤርትራዉያን ነበርቲ ሽወደን፡ ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን፡ ንሓገዝ ኣብ ፈቐድኡ መዓስከራት ስደተኛታት ዘለዉ ኤርትራዉያን ይዉፍዩ

ብስም ’መኸተ ኮቪድ-19’፡ ነቶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዉ ኤርትራዉያን ንምሕጋዝ ዝዉዕል፡ ካብ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ከባቢ 300,000 ሽሕ ክሮነር ከም ተኣከበ፡ ብሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ሽወደን ተገሊጹ። እዚ ካብ መላእ ሽወደን ዝተኣከበ ገንዘብ፡ ምስቲ ብዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን ዝተኣከበ ገንዘብ ተሓዊሱ፡ ብመገዲ ዓለም-ለኻዊ ይኣክል ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ንኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉ ስደተኛታት … Read more ኤርትራዉያን ነበርቲ ሽወደን፡ ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን፡ ንሓገዝ ኣብ ፈቐድኡ መዓስከራት ስደተኛታት ዘለዉ ኤርትራዉያን ይዉፍዩ

ምንቅስቃስ ይኣክል፤ መድረኻዊ ውጽኢት ሓድሽ ክውንነት

ብተስፋልደት መ. ኣብ ዝኽሪ ኩሉና ከም ዘሎ፣ ሕጋዊ፡ ታሪኻዉን፡ ፓለቲዉን ምኽንያት ዝነበሮ፣ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳንኡ ንምርግጋጽ ኣብቲ ዝገበሮ መሪር ቃልሲ፣ ክዕየር፣ ክምዘንን ክግመትን ዘይከኣል ዋጋታት’ዩ ተሓቲቱ፤ ብኣዉርኡ ድማ እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ሸነኹ። ቅያታት ድሕሪ ቅያታት ብምፍጻም፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጨረሽትኡ ንኹሉ ብዘስተንከረ ስራሕ፣ ኣብ ግንቦት 24፡ 1991 ሃገሩ ሓራ ድሕሪ ብምግባር፣ ኣስዒቡ በቲ ዓለም … Read more ምንቅስቃስ ይኣክል፤ መድረኻዊ ውጽኢት ሓድሽ ክውንነት

ጸብጻብ መስራቲ ጉባኤ ደለይቲ ፍትሒ ሽወደን

ምምስራት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ጸሓፊ፡ ተስፋልደት መ. እቶም ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2018 ከም ንጹላትን ፍንዋትን ዝተበገሱ ግን ከኣ ንጹራት ዕላማታትን መልእኽትን ዝነበሮም ምንቅስቃሳት፣ ጥርኑፍን ዝተወሃሃደን ኣሰራርሓ ከተኣታትዉ፣ ኣድላይን ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕማም ምዃኑ ርዱእ ነይሩ። ነቶም ተበግሶታት፣ ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፣ ዳርጋ ብተመሳሳሊ ኣገባብ`ዮም ኣሰላሲሎሞም። ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝርከቡ … Read more ጸብጻብ መስራቲ ጉባኤ ደለይቲ ፍትሒ ሽወደን

ንተቐማጦ ሽወደን፡ ንምምካት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዳግማይ ጻዉዒት ይቐርብ

ሓይሊ ዕማም ንምምካት ለበዳ ኮቪድ-19 ሽወደን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ሃገረ ሽወደን እጃሙ ከበርክት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዳግማይ ጻዉዒት ኣቕሪቡ። – ደለይቲ ፍትሒ፡ ምእንቲ ህዝቢ ንቃለስ ከምዘለና፡ እነመስክረሉ እዋን ሕጂ እዩ ይብል እቲ ብዕለት 23 ሚያዝያ 2020 ዝተዘርግሐ ጻዉዒት። ነቲ፡ ንምምካት ለበዳ ኮቪድ-19 ተባሂሉ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝእከብ ዘሎ ገንዘብን ንብረትን፡ ንምጥርናፍን ንምዉህሃድን፡ ዓለም-ለኻዊት ሓይሊ … Read more ንተቐማጦ ሽወደን፡ ንምምካት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዳግማይ ጻዉዒት ይቐርብ

ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. ንምምካት ለበዳ ዝዉዕል ሓገዝ ይእክብ

ሃገራዊ ጽላል ማሕበረ ኤርትራዉያን ኣብ ሽወደን፡ ምስ ዓለም-ለኻዊ ይኣክል ብምዉህሃድ፡ ንምምካት ለበዳ ኮሮና ዝዉዕል ሓገዝ ምእካብ ከም ዝጀመረ፡ ነቲ ዕማም ከተወሃህድ ተመዚዛ ዘላ ግዝያዊት ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ገሊጻ። እቲ ዝእከብ ሓገዝ ብቐንዱ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራዉያን፡ ብፍላይ ድማ ስድራቤታትን ቖልዑን፡ ከም ዝዉዕል፡ ኣባል እታ ኮሚቴ፡ ኣቶ ሮቤል ታሪቀ ሓቢሩ። እቲ ሓገዝ ብስዊሽ … Read more ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. ንምምካት ለበዳ ዝዉዕል ሓገዝ ይእክብ