ምንቅስቃስ ይኣክል፤ መድረኻዊ ውጽኢት ሓድሽ ክውንነት

ብተስፋልደት መ.

ኣብ ዝኽሪ ኩሉና ከም ዘሎ፣ ሕጋዊ፡ ታሪኻዉን፡ ፓለቲዉን ምኽንያት ዝነበሮ፣ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳንኡ ንምርግጋጽ ኣብቲ ዝገበሮ መሪር ቃልሲ፣ ክዕየር፣ ክምዘንን ክግመትን ዘይከኣል ዋጋታት’ዩ ተሓቲቱ፤ ብኣዉርኡ ድማ እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ሸነኹ።

ቅያታት ድሕሪ ቅያታት ብምፍጻም፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጨረሽትኡ ንኹሉ ብዘስተንከረ ስራሕ፣ ኣብ ግንቦት 24፡ 1991 ሃገሩ ሓራ ድሕሪ ብምግባር፣ ኣስዒቡ በቲ ዓለም ነጻን ርትዓውን ምንባሩ ዝመስከረትሉ ህዝባዊ ረፈረንዱም፣ 99.8% እወ ንናጽነት ብምድማጽ፣ ብግንቦት 24፡ 1993፣ ልኡላውነት ኤርትራ ከምዝረጋገጽን ዝእወጅን ኮነ።

ኣብ ‘ተን ቀዳሞት ቁሩባት ዓመታት ዕምሪ ነጻነት ኤርትራ፣ ብተዛማዲ ጽቡቅ ምዕባለታት ኣብ ምምዝጋብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ እዩ፣ እቲ በሰበብ ዶብ ዝተወልዐ ናይ 1998 ኵናት፣ መኻልፍ ዘጋጠመ። እዚ ከምቲ ድሒሩ ዝተጋህደ፣ ናብ ዳንነት ከምርሕ ዝግብኦ ኣብ ክቢ ጣዉላ ክፍታሕ ዝነበሮኳ እንተነበረ፣ ስውራት ዛዕባታትን ዕላማታትን ክልቲኦም ወገናት፣ ንኸዉንነት ሰላማዉን ቑልጡፍን ፍታሕ ኣየፍቀደን። ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት መቅዘፍትን ስንክልናን፣ ናይ ካልኦት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ምምዝንባል፣ ናይ ቢሊዮናት ዶላራት ክሳራታትን፣ ዕንወትን ምብኻን ክቡር ግዜን፣ ምዉጋንን ምቑራጽን ብዙሓት ቀዳምነታትን ኣስዒቡ።

ስርዓት ኢህወደግ ዝተኸተሎም ፖሊሲታት ኲናትን፣ ተጻብኦታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ንክልቲኣቶም ህዝብታት ሃስያ`ኳ እንተፈጠሩ፣ ዝያዳ ግዳይ`ዞም ፖሊሲታትሲ፣ እቲ ካብ ናይ 30 ዓመታት ኲናትን ኣደራዕን መግዛእቲ ብደንቢ ዘየተንፈሰን ዘየተንስአን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኮይኑ።

ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን ኣብ ኤርትራ ዝተኸተልዎም ጉጉያት ፖሊሲታት፣ ብኣንጻር ዕግበታትን ባህግን ሕዝቢ ኤርትራ፣ ናብ መስርሕ ደሞክራሲ ዝመርሑ ሮቛሒታት ዝጎስዩን፣ ምስ ፓሊሲታት ኢህወደግ ዝመላልኡን፣ ብዓቢኡ ድማ ኣንጻር ረብሓታትን ዕግበታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝቀንዑ ኔሮም። እዞም ብምስምስ ኩናት፣ ጸጥታዊ ስግኣታት፣ ተጻብኦታት ወያነን ሲ.ኣይ.ኤንን፣ ጉጅለ ህግደፍ ዘተኣታተዎም ፖሊሲታት፣ ካብቶም ብዙሓት ገለ ነዞም ዝስዕቡ ኣዕነውቲ ሳዕቤናት ኣኸቲሎም፡-

  • ምጉንዳብ ምቕታልን ቅዋም ዝመሰረቱ፣ ኣብ ደሞክራሲ፣ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝተሰረተ ፖሊቲካዊ ስርዓት፤
  • ምዕንቃፍ መስርሕ ቁጠባዊ ሕውየትን ህንጸትን፤
  • ምንቑልቃል ማሕበራው ምዕባለታትን ዕለታዊ መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ፤
  • እቲ ሞት፣ ማእሰርቲ፣ ምብትታንን ስደትን ህዝብና ዘስዓበ፣ ምጥሓስን ምርጋጽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት፤
  • ምቑጻይን ምሽማም ናብ ደልሃመትን መጻኢ-ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ መናእሰያት ድማ ብፍላይ። (ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምስባርን ምጽልማትን ዕድል መናእሰያትና እቲ ዝዓበየ ዕንወት እዩ።)

ዕስራ ዓመታት ድሕሪ ኵናት፣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ሓድሽ ፖሊቲካዊ ምዕባለን ጽገናታትን፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣህመድ፣ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳኔታት ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከመዝተቀበሎን ንትግባሬኡ ከምዝሰርሕን ነጊሩ። እዚ፣ ነቲ ንዕስራ ዓመታት ሰላም ተሓሪምዎ ዝጸንሐን፣ ንሰላም ከም ስትራተጂካዊን ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑን ባእታ ዝርኢ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዓቢ ብስራት እዩ ነይሩ። ብርግጽ እዚ ሰላም’ዚ፣ ንኣብ ውሽጥን ዲያስፖራን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንኩሎም ሃገራውያንን ደለይቲ ፍትሕን፣ ስትራተጂካዊን ዘላቅን ኣገዳስነት ስለዝነበሮን ዘለዎን፣ ዕግበታትን ረብሓታትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘረጋገጸ፣ መን ኣንቂልዎ ዘገድስ ኣይነበረን፤ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ግን፣ ሰላም ምስ ጎረባብትናን ከባቢናን፣ በቲ ወሳኒ መዳዩ ማለት ብውሽጣዊ ሰላም፣ ርግኣት፣ ፍትሒ፣ ደሞክራሲ፣ ሓርነትን ግዝኣተ-ሕግን እንተዘይተበጊሱን ዘይተሰንዩን ፋይዳ ከምዘይህልዎ፣ ሕጻን እዉን ዝፈልጦ’ዩ።

ነቲ መስርሕ ሰላም ብዝምልከት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን፣ ኣወንታዊ መልሲ`ኳ እንተተጸበየ፣ መልሲ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ፣ ንሕዱር ጽልኡን ቅርሕንቱን፣ ሕነ ናይ ምፍዳይ ዕግበቱን ዘርዊ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣንጻር ባህግታት ህዝቢ ኤርትራ፣ ህላወን ልኡላውነትን ኤርትራን ስትራተጂካዊ ረብሓታት ህዝብን ብዝጻረር መንገዲ ከም ዘማእዘኖ፣ ኣብ መጀመርያን ኣብቶም ዝሰዓቡ መድረኻትን ብቃልን ግብርን ተረጋጊጹ´ዩ። ካብ ህዝቢ ድማ ተቓዉሞ ኣበጊሱ።

ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ኣብ ካልኣይ መፋርቅ 2018፣ ህዝባዉያን ኣብያተት ብብቁሩብ ፈኸም እንዳበሉ ተበገሲም። እዚኣቶም፣ ብሓባር ምስቶም ኣቀዲሞም ዝተዋህለሉ ተመኩሮታትን እቲ መድረኽ ዝፈጠሮም ምዕባለታትን፣ ኣብ ቀዳማይ መፋርቅ 2019 ብናህሪ ዓብዮም፣ ካብ ፍንው ምንቅስቃስ ናብ ዝተወደበ ኣብያ ወይ ህዝባዉያን ምንቅስቃሳት ዓዂኾም፣ “ምንቅስቃስ ይኣክል” ተሰምዩ። ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ሒዞም ድማ ተበገሱ፣

  • እቲ መበገሲ ኲናት ነይሩ ዝተባህለ ዶብ፣ ብመሰረት ውዕል ኣልጀሪስን ውሳኔታት ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር። ኣብ ባይታ ድማ ክሕንጸጽ።
  • እቲ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ካብ ትግባረ ተኾሊፉ ዝጸንሐ ምትግባር ሃገራዊ ቅመዋ፣ መስርሕ ምምስራት ቅዋማዊ ስርዓትን ምርግጋጽ ፖለቲካዊ ብዙሕነት።
  • ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ክኽበርን ክረጋገጽን። እዚ ንጉዳይ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካላኦት ኣገደስቲ መዳያትን ዘጠቃልል ኮይኑ ካልኦት ትሕዝቶኣታት እውን ነይሮሞዎ።

እዚ ምዕባለ`ዚ እዩ እምበኣር ቃልሲ ንፍትሒ፣ ደሞክራሲን ግዛኣተ-ሕግን ኣብ ሓድሽ መድረኽ ከምዝኣተወን፣ ሓድሽ ህዝባዊ ምንቅስቃስ “ምንቅስቃስ ይኣክል” ከምዝተወልደን ዘበሰረ። እዚ ምዕበሊ`ዚ ከም ኣብ ኩለን ሃገራት ኣብ ሞንጎ ዲያስፖራ-ኤርትራዉያን ዝዓምበባ ምንቅስቃሳት፣ ኣብ ሃገረ ሽወደን’ውን ነዚ መንፈስን መስርሕን ሒዙዩ ተበጊሱ። እቲ ኣብ ትሕቲ “ንሓርነት ብሓድነት” ዝብል ቴማ ሒዙ ዝተበገሰ ምንቅስቃስ ድማ ቅርጽን ሕጋዊ መልክዕን ሒዙ ንዕቱብ ቃልሲ ብተወፋይነት ተበጊሱ ኣሎ።

ንሓርነት ብሓድነት

Leave a comment