ምሕጽንታ ንህዝብን ፓለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ብዛዕባ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና

እዚ፥ ንህልው ፓለቲካዊ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፥ ንዘይንቡር ዝምድናታት መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ድማ ብፍላይ ስዒቡ ዝርአ ዘሎ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ኣብ ግምት ምእታው ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ እዩ። ኣብ ህዝብታት እዘን ክልተ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን፡ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ፡ ብሰብኣውነትን ብሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት እዘን ሃገራት ዝግደስ ዘበለ ኩሉ፡ ብዝተፈላላየ መንገድን መልክዕን፡ ብዓውታን፡ ኣቤት … Read more ምሕጽንታ ንህዝብን ፓለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ብዛዕባ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና

ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. — ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልዉላዉ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ

ሽወደናዊ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብቲ ብዕለት 18 ሓምለ፡ 2020 ዘዉጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኸሲትሉ ዘሎ ቕልዉላዉ፡ ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ጣልቃ ከይኣትዋን፡ ንኹሉ ተራእዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ሰለማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ክጽዕራን ከምዝግብአን ጠቒሱ። ካብ ሰለማዊ ዘተ ወጻኢ ዝሕሰብ ኣገባብ መፍትሒ ሽግራት ድማ ክዕወት … Read more ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. — ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልዉላዉ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ

ሓገዝ ንምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ይቕጽል፤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን 30,000 ክሮና ተወፍይ

ሃገረ-ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ንሓገዝ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ዝዉዕል ናይ 30,000 ክሮና ሓገዝ ኣበርኪቶም። ነቲ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ሽወደን ክግበር ዝጸንሐ ጻዉዒት ብምኽባር፡ ነቲ ተበጊሱ ዝጸንሐ መደብ ምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደት ዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራዉያን ዓቢ ግምት ብምሃብ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ብዝለዓለ ክሙጎስ ዝግብኦ ሰብኣዉን ሕልናዉን ተግባር … Read more ሓገዝ ንምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ይቕጽል፤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን 30,000 ክሮና ተወፍይ

ደለይቲ ፍትሒ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ኣብዒሎም

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ መንእሰያትን ደቀ-ኣንስትዮን ዝርከብኦም፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣባላት፡ ንመዓልቲ ሰማእታት፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል፡  ቀዳም 20 ሰነ  ዘኪሩ ዊዒሉ። ንዝኽረ ሰማእታት፡ ንምትእስሳር ብምዉካል ፡ ኣቦ – መንበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ኣቶ በረኸት ፍራይ፡ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስምዖ ቃል፡ ኣቶ በረኸት፡ ሰማእታት፡ … Read more ደለይቲ ፍትሒ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ኣብዒሎም