ደለይቲ ፍትሒ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ኣብዒሎም

ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ መንእሰያትን ደቀ-ኣንስትዮን ዝርከብኦም፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣባላት፡ ንመዓልቲ ሰማእታት፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል፡  ቀዳም 20 ሰነ  ዘኪሩ ዊዒሉ።

ንዝኽረ ሰማእታት፡ ንምትእስሳር ብምዉካል ፡ ኣቦ – መንበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርን ከባቢኣን፡ ኣቶ በረኸት ፍራይ፡ ቃል ኣስሚዑ።

ኣብቲ ዘስምዖ ቃል፡ ኣቶ በረኸት፡ ሰማእታት፡ ሃገርና ኤርትራ ክዉንቲ ብምግባር፡ ህያብ ዝሃቡና ስለዝኾኑ፡ ሽምዓ ብምዉላዕ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ እናዘከርናዮም ክንነብር ሙዃንና ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምዝኻር ጥራይ ኣኻሊ ከምዘይኮነን፡ ኩሉ ዜጋ፡ ነቶም ንኤርትራ ክዉንቲ ዝገበሩ ሰማእታት ፡’ብግብሪ ንድብሶም ዶ ኣለና፧’ ኢሉ ሕልንኡ ብዕምቆት ክፍትሽ ከምዘለዎ ኣስሚሩ። ብምዉሳኽ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ዉድዓዊ ኩነታት ሃገርና እነስተንትነሉን እንምርምረሉን መዓልቲ ሙዃኑ እዉን ሓቢሩ።

ብምቕጻል፡ መንእሰያት ኣብ ፈቐድኡ ብጀነራላት፡ ብራሻይዳን በድወይንን ንዕዳጋ ኣብ ዝውርድሉ፡ ግዳያት ሳህራን ባሕርን ኣብ ዝኾኑሉ ዘለዉ እዋን፡ እምበርዶ ፍትሕን ደሞክራስን ዝሰፈና፡ ብሕጊ እትምራሕ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝህልዋ፡ ምዕብልቲ  መንግስታዊት ሃገር ክንምስርት ኢና ዝብል ሕቶ ከተልዕል ከምዝገብርን፡ እዚ መዓልቲ እዚ: ነዝን ካልእ ከበድቲ ሕቶታትን ኣልዒልና፡ ሓድነት ዝሕላገቱ ሓያልን ስጡምን ቃልሲ ምክያድ፡ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ድሕነትና ሙዃኑ ዘዘኻኽር መዓልቲ እዉን’ዩ ኢሉ ኣቶ በረኸት።

ኣብ’ቲ መዓልቲ፡ ኩሉ ዝተሳተፎ፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገር ብዝምልከት´ውን ዉዕዉዕ ዛዕባ ተኻይዱ። ነፍሲ ወከፍ ተሳታፋይ እዉን ዝኽሩ ሽምዓ ብምውላዕ ተግቢሩ።

Leave a comment