ሓገዝ ንምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ይቕጽል፤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን 30,000 ክሮና ተወፍይ

ሃገረ-ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ንሓገዝ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና-19 ዝዉዕል ናይ 30,000 ክሮና ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ነቲ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ሽወደን ክግበር ዝጸንሐ ጻዉዒት ብምኽባር፡ ነቲ ተበጊሱ ዝጸንሐ መደብ ምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደት ዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራዉያን ዓቢ ግምት ብምሃብ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ብዝለዓለ ክሙጎስ ዝግብኦ ሰብኣዉን ሕልናዉን ተግባር ሙዃኑ፡ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብቲ ብመንገዲ ኣቦ-ወንበሩ፡ ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ፡ ዝላኣኸሎም ናይ ምስጋና ደብዳቤኡ ገሊጹ።

ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኤርትራዉያን ዉልቐ-ሰባትን ትካላትን፡ብዉልቕን ብመንገዲ ማሕበራቶምን፡ ነዚ ዕማም ምሕጋዝ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ሽጉራት ኤርትራዉያን ንምዕዋት፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ፡ ነዚ መዓላ እዚ ዝዉዕል፡ ኣብ ሽወደን ኣስታት 330,000 ክሮና ተኣኪቡ ከም ዘሎ ጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ሽወደን ይሕብር።

Leave a comment