ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. — ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልዉላዉ ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ

ሽወደናዊ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብቲ ብዕለት 18 ሓምለ፡ 2020 ዘዉጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኸሲትሉ ዘሎ ቕልዉላዉ፡ ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ጣልቃ ከይኣትዋን፡ ንኹሉ ተራእዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ሰለማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ክጽዕራን ከምዝግብአን ጠቒሱ። ካብ ሰለማዊ ዘተ ወጻኢ ዝሕሰብ ኣገባብ መፍትሒ ሽግራት ድማ ክዕወት ከምዘይኽእል ኣዘኻኺሩ።

ሽ.ኤ.ማ.ፍ.ሰ.መ. ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ኣብዚ ዞባ፡ እቲ ዝጸንሐ ተኣልዩ ሓድሽ ሽርክነታትን ኪዳናትን ከምዝተፈጥረ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነፍሲ ወከፍ-ሃገር፡ ጸጥታኣን ልኡላዉነታን ንምዉሓስ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ዝህባ መሰል ከምዘሎ ከምዝርዳእ ኣነጺሩ። እዚ ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ኣብ ናይ ካልኦት ዉሽጣዊ ጉዳያት የእዳዉካ ምእታዉ ዘምጽኦ ሳዕቤን ክትርድኦ ከምዝግባእ ጠቒሱ።

እዚ ቕድሚ ክልተ ዓመታት ምዕባለ ዕርቂ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኣየ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ስዒቡ ምትካል ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ፡ ስምምዕ እቶም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳንን ሓድሽ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ደቡባዊ ማእከላይ ክፋል ሶማልያን ሶማሊላንድን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ከምዝመስከረ እቲ መግለጺ ይሕብር።

Leave a comment